السبت، 17 ديسمبر 2011

መተሓሳሰቢ ንደገፍቲ ህግደፍ



እቶም ሎሚ ከም ካልኣይ ዜጋ  ትሓስብዎ  ጽባሕ ክብሪ ቦትኦም ምስ መለስዎ ክትሓሳሰቡኹም አዮም 
ዜግነት ማለት ሃይማኖት ፣ዓሌት ፣ኣውራጃ  ቋንቛ፣ ዘይፈሊ ናይ ደቂ ሓንቲ መሬት (ሃገር )ማዕረ
ብጽሒት  አዩ ።ጸልምና፣ቀይሕና፣ሙስልምና ፣ክርስትና  ብኣ  እና ንጽዋዕ ኩላትና ብሓባር  ኤርትረኣውያን 
 
እዚ ክንሱ  ዜግነት   ሓንሳብ  ብዓሌትሃይማኖት ፣ሓንሳብ ብኣውራጃ  እንዳበልካ
ንሓድነት  ሃገር  ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው  ህዝብታት  ንምኑቛትን ንምጽናትን ዝግበር ዘሎ ተግባር ህግደፍን
መጣቕዕቱን   ጽባሕ  ሕቶ  ዘይተርፈኩም ሙኻኑ  ዘክሩ። ነዛ ንዘልኣለም  ዘይትናብሩላ ዓለም  ብስቓይ
ህዝብኹም  ከተሽካዕሊሉ  እታ ዘስራሕኩማ መረባዕ ኪንዲ ዋጋ ህዝብኹም  ኣይክኸውንን    አዩ።

ኣሙሮኹም ነዛ ግዜኹም  ትሓስቡ ምህላውኩም ዘክሩ   ተግባርኩም  ንውሉድ ወለዶ ሓውን ሓሰርን
ሓዋዊስካ ምግዳፍ አዩ።አወ  ታግባርኩም ንውልድ ዎሎዶ  ዘንድድ
ገለኹም ነታ እዋናዊት እገራኩም ክትብሉ መጻኢ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራን  መጻእዮምን ክብርታቶምን
ይፈርስ  ምህላዉ  እናራኩም  ኣብ እንጌራ ውልቅኹም ኣብ ምውሓጥ ትርከቡ  ኣለኩም  ዕድል  መጻኢ
ደቅኹምን ደቅደቅኹምን ክትጥምቱ  ይግብኣኩም ምክንያቱ  ስርዓት  ኣብ ኩሉ ታሪኻት  ዓለም ነባር
ኣይኮነን ግና ነባር በሰላ  ይገድፈልካ ኣድጊ  ድሕረይ ሳዕሪ  ኣይትብቆላ  ከም ዝብሃል ዲክታቶ ኢስያስ 
ኣፍወርቂ  ጠባዩ  ምስ ኣድጊ ዘመሳስሎ አዩ ።ኤርትራ ናይ ውልቆም ኮይና ዝተሳማዓቶም   ዉሑዳት ኣይኮኑን
ካብ ዲክታቶ ኢስያስ ታሒዝካ ቃልሲ ሳላሳ ዓመት  መስዋእቲ ኣሻሓት ዜጋታትና ዝረሰዐ  ጥራይ
ዘይኮነ  እንተኣዘኻከርካዮ ምኽሓድ ደረጃ  በጺሖም ዲክታቶር እስያስን መጣቅዕቱን  ምስክር ናይዚ
ኢስያስ ኣብ  ናይ ኣመሪካ  ዲሲ  ፈነወ ራድዮ  ኩንቱራት  ንዓይ ዝሃበኒ  ስልጣን የለን ክብል ሳምዕናዮ 
ንናጽነት ኤርትራ ገንሸል  ዝኾኑ  ኣሻሓት  ደቂ ኤርትራ ካብ ኩሎም በሄራትን ሃይማኖታትን  ንራህዋ
ህዝብ ኤርትራ እምበር ንንግስነት ዲክታቶር  ኢስያስ  ከም ዘይተቓለሱ ምስክርነት ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን
ዲክታቶር ኢስያስ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ቆርበት  በገዕ  ተኸዲኖም ካብ ዝተግዓዙ ቶኽኣሉ ሓደ ከምዝኾነ
ተጋሂዱ  አዩ። እዚ እንተዘይከውን እምረትን ስቃይን  መከራን ህዝቢ ኤርትራ  ዝሓለፈ  ይኣክል  ክብሉ  
ምኽኣሉ ነይሮም  እዚኣቶም ኩሎም ሕማም ስልጣን እምበር  ጉዳይ ሃገር ኣይጉዳዮምን   ስለዚ
ኩቡራት ኣሕዋት ኢድንድ ንተሓሓዝ ነዚ ዲክታቶር  ኣብ ጉሓፍ ናይ ታሪኽ ክንጉሕፎ   እዚ ኣብድስ አበባ
ዝተኻየደ ብጉባኤ  ዘቆምናዮ ባይቶና ንድሞካስይዊ ለውጢ ንመርሕነት ተቃውሞ  ኤርትራ ክትመርሕን
ኣብ ራይና ክስምርን  እንተኾይኑ  ኩላትና  ኢድንድ ንተሓሓዝ  ስምረት ዓወት መስረት ሙኻኑ  ኤርትራውያን
ኣጸቢቅና ልዕሊ ዝኾነ  ስለንፈልጦ  ንሕና ምስ ባቶና ንስመር

ዓወትን ኣስልጦ ስራሕን 
ባይቶ ምስግጋር ንድሞስያው ለውጢ
ሳህራ ኤርትራዊ

ليست هناك تعليقات:

إرسال تعليق

المغيبين واالمختطفين فى سجون العصابة الحاكمة فى ارتريا