الأحد، 4 سبتمبر 2011

ኣገዳሲ ኣዋጅ


ኣብ ትሕቲ ጽላል ምንቅስቓስ ኤረትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊዘርላንድ ኢልና ክንብገስ ከለና፡ ቀዳማይ ሸቶና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕን ኣወንታዊ ለውጢ ንሃገርና ንምምጻእ’ዩ ኔሩ። እዚ ሽቶ’ዚ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ደለይቲ ለውጢ፡ ፖሎቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ከይተዋሃሃድካን ከይሰራሕካን ህያው ክኸውን ከምዘይክእል ስለ እንርዳእ ከም ቀንዲ መንቀሊ ባይታ ወሲድናዮ። ናይ ስልጣን ህርፋን፡ መተካእታ ናይ ውድባት ክንከውን ወይ እዚ ኣብ
ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሽም ተጠቒምና ኣብ ዝተፈላለየ ጉባአታት ወናብር ክንረክብ ሕልሚ የብልናን።
ብግስ ክንብል ኣትሒዝና ምስ ካልኦት መንእሰያት ኣሕዋትና ደለይቲ ለውጢ ክንሰርሕን ቃልስታትና ክነዋሃህድን ባህግናን ድልየትናን ስለ ዝነበረ ብፓልቶክ ይኹን ብዝተፈላለየ መራኽቢታት እንዳገበርና መታን ኣብ ሓደ ሓባራዊ መረዳድኢ ነጥብታትን ሓደ ሓባራዊ ፕሮግራም ንምሕንጻጽን ቡዙሕ ተመያዪጥናን ዘቲናን፡ ኣብ መጨረሻ ሓንቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 18 ሰባት ዝኣባላታ ዝተፈላለየ ካንቶናት ስዊስ እትውክል፡ መስራቲ ጉባኤ ምንቅስቓስ ኤረትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊስ ክተዳሉ መስሪትና፡ ከምኡ’ውን ክልተ ሰባት ካብ ነፍሰ ወከፍ ካንቶን ብዓረብን ብትግረኛን ዝገልጹ ወሲና(ግን እዛ ነጥቢ’ዚኣ ስጋብ ሎሚ ኣብ ግብሪ ኣይተተግበረትን)። መዝነት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ከምዚ ዝስዕብ ኔሩ
1 ውሽጣዊ ሕጊ ንምንቅስቓስ መንእሰያት ምድላው
2 ጉባኤ ናይ መንእሰያት ኣብ ስዊስ ንምድላው ጎስጉዋስ ምክያድ

ጌና እዚ ስምምዓት’ዚ ኣብ ግብ ከይዋዓለ ነዊሕ ከይከድና ኣብ ሓሳብ ዘይነበረ ጸገማት ስለ ዘጋጠመ ነቲ ንቕሎ ምንቅስቕስ ሉጉዋም ኮይኑ ዓጊቱዎ።

ቀዳማይ ጸገም
ገለ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ መዝነት ሽማግለ ጎሲዮም ምንቅስቕስና ኣብ ዘይምልከቶ፡ ምስ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዝነበሮም ግርጭታት ክኣልኩና ጀመሩ፡ እዚ ይኹን ዳኣ’ምበር ነቲ ጀሚርናዮ ዘለና ቁዱስ ዕላማ ንምዕዋት ብማለት ኩሉ ወንዚፍና ነቲ ግርጭታት ንምህዳእን ንምፍታሕን እዘን ዝስዕባ ርእይቶታት ኣቕሪብና
ሀ/ ንእስ ዝበለት ሽማግለ መስሪትና ምስ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ዋዕላ ተራኺባ እቲ ዘሎ ናይ ኣራኣእያ ፍልልያት ኣጽቢባ መፍትሒ ክተናዲ፡ ወይ
ለ/ ኣብ (ሀ) ተጠቒሱ ዘሎ ንምትግባሩ ምስ ዘይካኣል፡ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ምንቅስቓስና ካብ ቀንዲ መዝነታ ወይ ሓላፍነታ ኣግሊሳ ስለ እትርከብ፡ ኣብ መሰረታትና በብካንቶኑ ተመሊስና ርእይቶ ኣባላትና ንውሰድ።
ነዚ ንመፍታሕ ኢልና ዘቕረብናዮ ርእይቶታት ኣብ ግምት ከየእተዉ፡ እቲ ዘሎ ፍልልይ ብዘተ ክፍታሕ ዘይደልዩ ባእታታት ናዓና መርገጺኹም ኣነጽሩ ወይ ምሳና ወይ ምስ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ዋዕላ ኩኑ በሉና፡ እዚ ምስ ኮነ ንሕና ኻኣ፡ ምንቅስቕስና ክነበግስ ከለና ኣትሒዝና ምስ ኩሉ ተቓዋሚ ደንበ ክንሰርሕ ድልዋት ምኽዋና መርገጺና ንጹር ስለ ዝኾነ እሞ ኻኣ’ቲ ጉዳይ መዝነት ናይ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ስለ ዘይኮነ፡ መርገጽ ብመርገጹ ምስቲ ህዝቢ ብወግዒ ዝመረጾ ኣካል ኣለና በልና።

ካልኣይ ጸገም
እዞም ገለ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘሎዎም ኣባላት፡ ኩሎም ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከይ ሓበሩ ናይ ፓልቶክ ኣኼባ ምስ ሓው ተኽለ ሰንበት ከምዝጸዉዑ ምስ ፈለጥና ብሃታሃታ ክንሳተፎ ተገደድና፡ ኣብዚ ኣኼባ፡ ንሕና ዘይንፈልጦ ኣጀንዳ ቀደም ብምስጢር ዝወደቡዎ ኩንታት ከም ዝነበረ ክበርሃልና ጀመረ፡
ማለት ባዓል ኣብ ካንቶን ሉዘርን ኣታዊኡ ንሃገራዊ ዋዕላ ክኸውን ክገብሩ ይዳለዉ ከም ዘሎዉ ፈለጥና። ዝገርም ነገር እታ ቀንዲ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ዋዕላ ካኣ ከምኡ ዓይነት ባዓል ክተካይድ ትዳሎ ከም ዝነበረት ዝፍለጥ’ዩ። እዚን ወዲ ከምዝን ክንሪኢ ምስ ጀመርና ገለ ጥዕና ዘይሰፈኖ ኩነታት ብሽም ምንቅስቓስ ኤረትራዊ መንእሰይ ይእለም ከም ዘሎ በሪሁልና።

ሳልሳይ ጸገም
ምንቅስቓስና ብዝሒ ርእቶታት ሃብቲ ምኽዋኑ ስለ ዝኣምን  ዝተፈልየ ርእይቶ ንዘለዎ ናይ ምንጻል መንፈስ የብሉን፡ እዞም ግርጭታት ከባልሑን መሰናኽላት ክፈጥሩን ከይ ደቀሱ ዝሓድሩን፡ ርእቶኦም ዘይቅበል ናይ ምንጻል ባህርይ ዘሎዎም ባእታታት ስለ ዝኾኑ ተግባራቶም ብጥብቂ ንኹኑኖ።

ምንቅስቓስና ኣካል ናይ ተቓውሞ ደንበ ስለ ዝኾነ፡ ሃናጺ ተራ ክንጻወት እምበር ተወሳኺ መሰናኽላትን ዕንቅፋታትን ክንፈጥር ዕላማና ኣይኮነን፡ ስለ ዝኾነ ምስ ኩሉ ተቓዋሚ ክንሰርሕ ኣእዳውና ዝርጉሕ ምኽዋኑ ንገልጽ፡ ከምኡ’ውን ምስታ ብውግዒ ዝተመርጸት ሽማግለ ህዝቢ ንዋዕላ ክንሰርሕን ክንተሓባበርን ድልዋት ምኽዋና ክንሕብር ንፈቱ።

ኣብ መጨረሻ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ነገር እንተሃልዩ እቲ ናይ ውክልና ጉዳይ ኣብ ሃገራዊ ውዕላ’ዩ፡ እዞም መንእሰያት ንውክል ኢና ኢሎም ዘየድሊ መሳናኽላትን ዕንቅፋታትን ፈጢሮም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ዘዕለብጡ ዘሎዉ ነቲ ዝበዘሐ ኤረትራዊ መንእሰይ ኣብ ስዊስ ከም ዘይውኩሉ እንዳረጋገጽና፡ ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ነዞም ሰባት’ዚኦም ክውክሉ እንተዳኣ ወሲና፡ ነቲ ዝተረፈ ዝበዝሐ ኣካል ኣብ ግምት ክተእቱ ንምሕጸና።
            
        ምንቅስቓስ ኤረትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊስ                        

 

ليست هناك تعليقات:

إرسال تعليق

المغيبين واالمختطفين فى سجون العصابة الحاكمة فى ارتريا