الجمعة، 1 نوفمبر 2013

1/11/2013

Tigrinya
ብኣቦወንበር ፈጻሚ ኣካል ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ኣብ ዝተዘርገሐ መግለጺ ዘለና መርገጺ
30/10/2013
ኣብዚ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ህዝቢና ዘሕልፎ ዘሎ ኣዚዩ ኣሰቃቒን ዘስካሕክሕን ኩነታት፡ እቲ ቀንዲ በቲ ጨቛኒ ስርዓትዝሳቐን ወጽዓ ዝበጽሖን ዘሎ ኣካል መንእሰይ ወለዶ ብምዃኑ፡ መንእሰያት ካብቲ ጋህነማዊ ስርዓት ብምህዳም ኣብ ውሕስነት ክኾኖም ዝኽእል ኣህጉር ንምብጻሕ ኣብ ዝገብሩዎ ዘይሕጋዊ ናይ ስደት ጉዕዞ ንሓደጋ ዝተቃልዑ ክፋል ሕብረተሰብና ምዃኖም ህልቂት ላምፐዱሳ መርኣያ ናይቶም ኩሎም ዚሓለፉ ዘይንርሰዖም ዘሕዝኑ ግዳያትና ኢያ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ መንእሰይ ወለዶ ትርጉምን ፍረን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ እንዳቃለሐ፡ መንእሰይ ኤርትራ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ተቓውሞኡ ኣሓይሉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተሳትፎኡ ከምዚዓዝዝ ጌሩ ነቲ አብ ሕምብርቲ ሃገርና ደዂኑ ዚርከብ ዓማጺን ጸቓጢን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት በርቊቑ መሪሕ ተርኡ ክጻወትን ስልጣን ናይ ህዝቢ ክገብርን ኢዩ ትጽቢቱ። ስለ’ዚዩ ድማ ብተበግሶ ዝተፈላለያ ናይ መንእሰይ ማሕበራት ከምኡውን ውልቀ ተበግሶታትን ምልዕዓላትን ክገብር ኣብቲ ዝበዝሐ ክፋል መንእሰይ ኤርትራ ዘይተሳተፎ ዋዕላ ደብረዘይት ክሳተፍ ዝኻኣለ። ከም መቐጸልትኡ ድማ ነቲ ዝነበረ ሃጓፋት ፖለቲካዊን ማሕበራውን ምዕሩይነት ንምምላእ ናይ ጎንደር ኣኼባ ዝተገብረ።
እንተኾነ ን14 አዋርሕ ክግበር ዝጸንሐ ተስፋ ዘቑርጽ ኣሰራርሓ አቦወንበር ፈጻሚ ኣካል ባይቶ ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝምነዮ ኩለን ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ማሕበራት ኣብ ሓደ ጽላል ንምምጻእ ዝነበረ ሕልሚ ሃፊፉ ከምዝተረፈ እኹል መርትዖ’ዩ ኔሩ። ንውዕላትን መትከላትን ዋዕላ ደብረዘይቲ ዝጥሕስ ናይ መንእሰያት ቃልሲ መለክዒ ዘይብሉ ኣብ ቀረባ መጻኢ ኮንፈረንስ ፖለቲካዊ ውድብ ክግበር በቲ ጸረ ትሕዝቶ ዋዕላ ደብረዘይት ዝኾነ አካል ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።
ብተወሳኺ ምስራዝ ናይ ማሕበራዊ ብዙሕነት ተንጸባርቕ ብኣባላት ምሕደራ ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ዝተመርጸት አዳላዊት ኮሚቴ ተፈጺሙ፡ ብካልእ ኣቦወንበር ፈጻሚ ኣካል ዚተመዘዘት ተሓታትነታ ንዕዑ ጥራይ ዝኾነት፡ ባይቶ ስልጣን ዘይሃባ ንኤርትራዊ ብዙሕነትን ብሄራዊ ማዕርነትን ዘይተንጸባርቕ፡ ንተሳትፎ ዋዕላ ደብረዘይቲ ዘይትውክል፡ ንይምሰል ሓዳስ አዳላዊት ኮሚቴ ብኢደወነኑ መዚዙ። ካብ መጠን ዝሓለፈ ክኣ ንኣቦወንበር ባይቶ ከምዝንጸል ጌሩ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ኣቦወንበር ባይቶ ይኹን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ‘’ኣቦወንበር ባይቶ ብፍቓዱ ስልጣኑ ገዲፉ’’ ኢሉ አዊጁ።
ኣብዚ መስርሕ እዚ ዝነጸረ ሸለል ዘይባሃል ምግሃስ ስምምዓት ውጽኢት ዋዕላ ደብረዘይትን ብቀጥታ ንመንፈስ ስትራተጂ ሃገራዊ ሓድነትን ማሕበራዊን ብሄራዊ ምክእኣልን ዘዐኑ ኢደወነናዊ ስጉምቲ ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ከነስምረሎም ንደሊ ነጥቢታት ከምዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡
· መርገጺና ንኣተሓሳስባ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ዘሳትፍ ውዱብ ዋዕላ መንእሰያትን ከምኡ’ውን ዝኾነ ኣኼባን ርክብን ብመንእሰያት ኤርትራ ዝውነንን ዝረጋገጽን ክኸውን እዩ።
· መንግስቲ ኢትዮጲያ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ምሉእ ዓለም ተኣኪብና ብሓባር ክንዛተ ዝፈጠረልና ባይታን ምትሕግጋዝን ዓቢ ትርጉምን ኣድናቖትን እንዳሃብና፡ ናይ ሓደ ዓመት ስልጣን አብ ዘብቃዓሉ 2 ጊዘ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተጸውዑ ኣኼባታት ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘይተሳተፈ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኢደዋኒኑ ስልጣን ብሒቱ ንዘሎ ዝዀነ ሓገዝን ደገፍን ምሃብ ሻራዊ መርገጽን ብዋጋ ሓድነትን ጽኑዕ ምትእስሳርን ሓድነት መንእሰያት ኤርትራ ምጽዋትን ስለ ዝኸውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣካል እዚ ደው ከብልን ክእግድን ንምሕጸን።
· ህዝቢ ኤርትራ ንምድሓን ከም መሰረታዊ ውጥን ምርግጋጽ ሓድነት መንእሰያት ክህሉ።
· ነታ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ብኣባላት ባይቶ ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ ዝተመረጸት ሕጋዊት ኣዳላዊት ኮሚቴ ጥራይ ኣፍልጦ ንህብን ንሕተትን፡ ነዚ ብኣቦወንበር ፈጻሚት ሽማግለ ዝወጸ ሓዱሽ መግለጺ ንኹንን ዘይሓላፍነቱ ምዃኑን ንእውጅ።
ከተምቲ ናይዚ መግለጺ፡
1- ስምረት መነሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር (ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ)- ማእከላይ ሱዳን
2- ስምረት መነሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር (ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ)- ኣውስትራሊያ
3- ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ( ) ንዩዚላንድ
4- ስምረት መነሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር (ስ.መ.ኤ.ድ.ሃ)- ማእከላይ ምብራቕ (ቀጠር፡ ኢማራት፡ ክዌት፡ ባሕሬን)
5- ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ (ስዊዘርላንድ)
6- ምንቅስቃስ ምሁራን መንእሰያት ኤርትራ
7- ኤሬትራዊ ምንቅስቃስ ንለውጢ( ኢ ም ሲ)
8- ማሕበርመንእሰያትዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
9- ኤሬትራዊ ምትእኽኻብ ንሃገራዊ ዘተ
10- ማሕበርኤርትራውያንመንእሰያትኣውስትራልያ

ليست هناك تعليقات:

إرسال تعليق

المغيبين واالمختطفين فى سجون العصابة الحاكمة فى ارتريا