الجمعة، 10 يونيو 2011

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንኢሰይ ንለዊጢ አብስዊዘርላንድ

ንድፊ ሕገ ህንጻ ንምንቅስቓስ ኤረትራዊ መንእሰይ
ቀዳማይ ምዕራፍ
ዓንቀጽ(1) ስም
ምንቅስቓስ ኤረትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊዘርላንድ
ዓንቀጽ(2) መንነት
መንእሰያዊ፡ ኤረትራዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ምንቅስቓስ ምእንቲ ለውጢ፡ ንኹሎም ኤረትራውያን መንእሰያት ካብ ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊን ባህላውን ድሕረ ባይታ ዝመጹ ኩፉት ኮይኑ፡ ግን ንውልቆም ማለት ንዝኾነ ሰልፊ ውይ ውድብ ዘይውክሉ ክኾኑ ኣለዎም።
ዓንቀጽ(3) ቦታ ስዊዘርላንድ
ዓንቀጽ(4) ጭርሖ
ማዕርነት ፍትሒ ዲሞክራሲ
ዓንቅጽ(5) ዕላማታት
1- ኤረትራዊ መንነት እንዳ ኣንጸባረቕካ ኣብ ጎድኑ ድማ ምስቲ ንነብረሉ ከባቢ ምውህሃድን ምስምማዕን።
2- ምስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ናይ ኤረትራውያን መንእሰያት ምንቅስቓሳት ፍሉይ ርክባት ምፍጣርን ኣብ ኩሉ መዳያት ምውህሃድን።
3- ትካላዊ ኣሳራርሓ ምኽባርን ናይ ሓባራዊ ኣሳራርሓን ምትሕግጋዝን ግሉጽነትን መንፈስ ምስሳን።
4- ሕቶ መሰላት ብዝምልከት ኣበርክቶ ምግባርን መሰላት ህያው ንክኾኑ ምጽዓር።
5- ብባህልን ታሪኽን ኣቢልካ ምዕባለ ህዝቢ ኤሪትራ ምንጽብራቕ።
6- ሃገራዊ ኣምራት ምዕማቕን ፖሎቲካዊ ንቕሓት ክብ ምባልን ክምኡውን ሁርኩትን ሃናጽን ዎሎዶ ንምምስራት ምጽዓር።
7- ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተ ሰብና ዝናበሩሉን ውሽጣዊ ሰላም ንኽሰፍን ምጽዓር።
8- ፍልልይት ወጊድካ ሃገራዊ ሓድነት ምድልዳል።
9- ብቢሄራውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ኣቃውማ ኤሪትራ ምእማን።
10- ምስ ኣብ ውሽጢ ኤሪትራ ዝርከቡ መንእሰያት ከራኽብ ዝኽእል ድልድል ምፍጣርን ዓቕሚ ብዘፍቅዶ ምሕጋዝን።
11- ዝተፈላለዩ ክልሰ ሓሳባትን ናይ ፖሎቲካ እምነታትን ክናበረሉ ዝኽእል ሃዋሁ ምፍጣር።
12- ኣብዚ ናይ ለውጢ ጉዕዞ መንእሰያት ታራኦም ክጻወቱን ጉዳይ ሃገር ባዕሎም ክውንንዎ ምምልማል።
13- ማዕረ መሰላትን ጉቡኣትን ዝርከበላ ሃገር ንምህናጽ ምጽዓር።
14- ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ዲምክራስያዊ ሕብረ ሰልፋዊ መንግስቲ ምምስራት።
15- ናይ ዘተን ስኒትን መንፈስ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለየ ክፋላት ሕብረት ሰብ ኤሪትራ ክህሉ ምጽዓር።
ካልኣይ ምዕራፍ
ዓንቀጽ(6)
1- ኣረዳድኣን መተከላትን ነዚ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝገልጽ ሓበረታዊ ጽሑፋት ምሕታም።
2- ብኤሪትራ ዝግደስ ጉባኤታትን ሰሚናራትን ዎርክ ሾባትን(work shops) ምድላው።
3- ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንህዝቢ ኤሪትራ ንዘጋጥሙ ሽግራት ንምፍታሕ ምጽዓርን ሓሳባት ምቕራብን።
4- ምስ መተከላት ናይዚ ምንቅስቓስ ዘይጻረር፡ ምስ መንግስታውን፡ ህዝባውን፡ ሰብኣውን ትካላት፡ ኣብ ከባቢናን ቢ ኤውሮጳ ደረጃ ርክባት ምምዕባል።
5- ኩነታት ምንቅስቕስና ንምግምጋም ዙርያዊ ኣኸባታት ምክያድ።
6- ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቅልጣፍ ናውቲ ቃልስታትና ንምሕዳስ ምጽዓር።
7- ወብ ሳይት ምምስራትን ካብኡ ምጥቃምን።
8- ሃገራዊ ባዓላት ምብዓልን ምስታፍን።
9- ኩሉ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝግበር ንጥፈታት(ሰላምዊ ሰልፊ፡ ኣድማ … ወዘተ) ንምዕዋት ምጽዓር።
ሳልሳይ ምዕራፍ
ዓንቀጽ(7) ኣባልነት
1- ዝኾነ ኤሪትራዊ(ት) መንእሰይ ምስ ዕላማታት ናይ’ዚ ምንቅስቓስ ምስ ዝሰማማዕ ኣባል ክኸውን ይኽእል ወይ ክትከውን ትኽእል።
2- ኣባል’ዚ ምንቅስቓስ ዕቱብ፡ ንጡፍ ኮይኑ ከምኡ’ውን ነዚ ምንቅስቓስ ንምምዕባል ክሰርሕ ኣለዎ።
3- ዝኾነ ኣባል ብምንቅስቓስ ዝተዋህቦ ስራሕ የተግብር ከምኡ’ውን ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ምንቅስቓስ ንምዕዋት ይጽዕር።
ዓንቀጽ(8) ጉቡኣት ኣባልነት
1- ንዕላማታት ምንቅስቓስ ይምእዘዝን ኣብ ግብሪ ይትግብርን።
2- ብምንቅስቓስ ዝተወሰነ ወርሓዊ ውጽኢት ብኣገባብ ይኸፍል።
3- ዲሲፕሊን ሓባራዊ መንፈስ ክህልዎን ርእይቶ ብዙሓት ዘኽብርን ክኸውን ኣሎዎ።
4- ነዚ ምንቅስቓስ ኣብ ፖሎቲካዊን ቀቢላውን ምስሕሓባት ዘይምእታው።
5- ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ምንቅስቓስ ይሳተፍን ይሰርሕን።
ዓንቀጽ(9) መሰላት ኣባልነት
1- ዝኾነ ኣባል መሳልጥያታት ምንቅስቓስ ክጥቀም መሰል ኣሎዎ።
2- ጉቡኣቱ ዘማልእ ኣባል ንመሪሕነት’ዚ ምንቅስቓስ ነፍሱ ክሓጺን ወይ ንካልኦት ክሓጺ መሰል ኣሎዎ።
3- ብዝኽነ ኣገባብ ርእይትኡ ክህብን ኣሰራርሓን ኣካይዳን ምንቅስቓስ ክእርምን መሰል ኣሎዎ።
ዓንቀጽ(10) ምውዳቕ ወይ ምስራዝ ኣባልነት
1- ዕላማታትን ፕሮግራማትን ናይዚ ምንቅስቓስ ምስ ዘናኣእስን ሽም ምንቅስቓስ ምስ ዘባላሽውን።
2- ታሪኽ ኤሪትራን ቃልስታታን ዝቆናጽብን ዘናኣእስን ከምኡ’ውን መሪሕነት ተቓወምቲ ዝዝልፍን።
3- ስርቂ
ዓንቀጽ(11) ኣገባብ ምትሕስሳብ (ምውዳቕ ወይ ምስራዝ ኣባልነት)
* ጉዳይ’ቲ ዘግዶለ ወይ ዝበደለ ኣባል እትሪኢ ኮሚተ ተመሪጻ ውሳነታት ክትወስድ መሰል ይህልዋ ማለት (ምጠንቀቅታ፡ ምድስካል፡ ምስራዝ)።
እዚ ንድፊ’ዚ ብሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ምንቅስቓስ ኤረትራዊ ምንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊስ ምስ ዝጸድቕ’ዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል።

ليست هناك تعليقات:

إرسال تعليق

المغيبين واالمختطفين فى سجون العصابة الحاكمة فى ارتريا